ትግርኛ

ሓገዝ ትደልዩ ዲኹም ኣብ ምኽፋል ቢልስ ናይ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ፡ ማይ፡ ጋዝ...ወዘተ፧

እንድሕር ክትከፍሉ ዘይከኣልኩም ጸኒሕኩም ቢላትኩም ናይ ኤሌክትሪክ፡ ባህርያዊ ጋዝ ወይ ማይ ኣብ ግዜ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ሓገዝ ክርከብ ይክኣል ኢዩ።

ድውሉ ናብ ናትኩም ኩባንያ ናይ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ፡ ማይ፡ ጋዝ...ወዘተ። እዞም ክልተ ሕቶታት ሕተቱ፡

  • ንምንታይ ዓይነት ፕሮግራም ሓገዛት ኢኹም ብቑዓት፧
  • ከተዳልዉ ትኽእሉ ዲኹም መደብ ክፍሊት ንዝሓልፉ ዘይተኸፍሉ ሕሳባት፧

ሓገዝ ትደልዩ ዲኹም ኣብ ምውካስ ንኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ፡ ባህርያዊ ጋዝ ወይ ማይ፧  ኣድራሻኹም የእትውዎ ኣብዚ ገጽ ዝርከብ ካርታ፡ https://www.commerce.wa.gov/utility-assistance/

ብቑዓት ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም ንፕሮግራም ፈደራል ዝሕግዝ ንቢላት ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ፡ ባህርያዊ ጋዝ ወይ ማይ...ወዘተ።

ኣብ ኣታዊኹም ብምምርኳስ፡ ብቑዓት ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም ንፕሮግራም ፈደራል ዝበሃል “LIHEAP” (ፕሮግራም ሓገዝ ጸዓት ገዛ ትሑት-ኣታዊ)። ሓድሽን ተመሳሳልን ፕሮግራም ማዕቢሉ ኣሎ ንናይ ማይ ቢላት። እዚኦም ገለ ኣብነታት ናይ ቅቡላት ደርጃታት ኣታዊ ኢዮም፡

  • መጠን ገዛ 1 ሰብ ኢዩ = ኣታዊ ትሕቲ $1,595 ንወርሒ ወይ $19,140 ንዓመት
  • መጠን ገዛ 2 ሰባት ኢዮም = ኣታዊ ትሕቲ $2,155 ንወርሒ ወይ $26,860 ንዓመት
  • መጠን ገዛ 4 ሰባትኢዮም = ኣታዊ ትሕቲ $3,275 ንወርሒ ወይ $39,300 ንዓመት

ንሓበሬታ ደውሉ ናብ 2-1-1 ወይ ደውሉ ናብቲ ከባብያዊ ናይቲ ትነብርሉ “ኤጀንሲ ኮማዊ ተግባር”። ሓበሬታ ንምርካብ ነዚ ካርታ ተጠቀምሉ፡ https://fortress.wa.gov/com/liheappublic/Map.aspx

ጸጋታት ክርከቡ ይክኣሉ ኢዮም ምስ ካልኦት ወጻኢታት። ንዝያዳ ሓበሬታ ደውሉ ናብ 2-1-1።

እቲ ለበዳ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዋሽንግተን ዘይተጸበይዎ ቢላት ገዲፍሎም ኢዩ። በይንኹም ኣይኮንኩምን ዘለኹም። ድውሉ ናብ 2-1-1 ንክትዛረቡ ምስ ዝኾነ ሰብ ከራኽበኩም ዝኽእል ምስ ፕሮግራማት ዝሕግዙ ንሰባት ኣብ ምኽፋል ክራይ፡ መግቢ፡ ብሮድባንድ ከምኡ`ውን ካልኦት ነገራትን።

Last Updated 2021-06